ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ስምምዕነት ሰነድ ምትሕብባር 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ከቲመን።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንልምዓት ዓውዲ ጥዕና ዘውዕል ደገፍ 1 ነጥቢ 16 ቢሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ምትሕብባር ንሓሙሽተ ዓማውቲ ንመጠናኸሪ ዘላቒ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ዓውዲ ጥዕና ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ስምምዕነት ሰነድ፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፣ ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኧርቪን ማሲንጋን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
እቲ ደገፍ ብምትሕብባር ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ታሪካዊ ዝበሃለ እንትኸውን፥ ናይቲ ሓዱሽ ምዕራፍ መትሕብባር ዝጠንከረ ርክብ መርኣያ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ