ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡
ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ኣብ ዝተገበረ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓራዊ ጉዳያት እተን ሃገራት ተመያይጦም፡፡
ብፍላይ ኣሜሪካ ንትግበራ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ድጋፍን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራትኣብ ምጥንኻር ዝጠመቱ ጉዳያት ኣብቲ ዘተ ተላዒሎም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን፥ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበረቶ ኣብ ትርከብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብዝምልከት ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ገለፃ ገይሮም፡፡
መንግስቲ ብፍላይ ስርዓት ምሕደራ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ከባቢ ንግዲን ኢንቨስትመንትን እታ ሃገር ንምምሕያሽ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ብግደኦም ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምንኣድ፥ ኣሜሪካ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ብምትሕብባር ከምኡ እውን ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ብምዕባይ ስግግር ኢኮኖሚ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!