ኢትዮጵያን ጀርመን ወታደራዊ ምትሕብባረን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻ ፌዴሪኢ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ጀርመን ሙኒክ ዝተኻየደ መበል 62 ኮንፈረንስ ፀፅታ ሙኒክ ተሳቲፉ።

እቲ ኮንፈረንስ ብሕጊ ኣብ ዝተመስረተ ዓለም ለኸ ስርዓት ዘንፀላለዉ ማሕለኻታት ኣብ ምፍታሽ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ከም ስግኣታት ፀፅታ፣ ክሌማዊ ለውጢ፣ ንግዲ ኲናት፣ ፍልሰትን ስርዓታት ውሕስና ምግቢን ዝበሉ ኩለመዳይ ፀገማት ንምፍታሕ ብብርኪ ዓለም ተዋሳእቲ ካብ ምክፍፋል ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታታት ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።

ጎድና ጎድኒ እቲ መድረኽ እተን ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶሪየስ ውፅኢታዊ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይደን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊን ምክልኻን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንሓራዊ ረብሓ ብቕርበት ንምስራሕ ተስማዕሚዐን፡፡

እቶም ሚኒስትራት ካብዚ ብተወሳኺ ብሓባር ብምስራሕ ዓለም ለኸ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ወታደራዊ ርከቦም ንምድንፋዕ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዕናዊ ዑደት ስራሕ ንምግባረ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1963 ዝተመስረተ ኮንፈረንስ ፀፅታ ሙኒክ ኣብ ዓለም ለኸ ፖሊሲታት ድሕንነት ዝዝቲ መድረኽ ኢዩ።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment