ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያን ስምምዕነት ሽግሽግ ዕዳ ብምፍርራም ዘለወን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኣጠናኺረን።
እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ሚኒስትር ኢኮኖሚን ፋይናንስንጣሊያን ጂያንካርሎ ጆርጌቲ ተፈራሪሞምዎ።
ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ልምዓት ክለቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽርን መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝድግፍን ስምምዕነት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ዝተፈረመ ስምምዕነት ክልተኣዊ ሽግሽግ ዕዳ ኣብ ትሕቲ ብማዕቐፍ ዕላዊ ኮሚቴ ኣለቃሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ዝምራሕ ከይዲ መሰረት ብምግባር ዝተወገነ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!