ኢትዮጵያን ጣሊያንን ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ኢኮኖሚን ፋይናንስን ጣሊያን ጂያንካርሎ ጆርጌቲ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ወሰንቲ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ብዝህልወን ምትሕባር ብትኹረት ተመያይጦም፡፡

ጂያንካርሎ ጆርጌቲ ኣብቲ እዋን÷ ጣሊያን ንፕሮግራም ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ብፍላይ ሃገሮም ኣብ ፕሮጀክት ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ብገንዘብ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ጣሊያን ናዓብዪ ፕሮጀክት ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብትካላት ገንዘባ ኣቢላ ሓገዝ ከምትገብር ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ብሓባር ንምስራሕን ምትሕብባረን ንምጥንኻርን ከምዝተስማዕማዓ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment