ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ዓውዲ ግብርና ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕ ከቲመን።
ኣብቲ ስምምዕነት ሰነድ፥ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)ን ሚኒስትር ግብርና ጣሊያን ፍራንሲስኮ ሎሎብሪጊዳን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቅድመ ሐዚ ዝነበሩ ምትሕብባራት ዘጠናኽርን ብፍላይ ሰንሰለት ቡን ዘመናዊ ዝገብር ስራሕ ቆላሕታ ሂብካ ንምስራሕ ዘኽአል ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)፥ እቲ ስምምዕነት ጣሊያን ግብርና ዘበናዊ ብምግባር ኣብ ኣውሮፓ ዘለዋ ዓቕሚ ንምስግጋር ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ፍራንሲስኮ ሎሎብሪጊዳ ብግደኦም፥ ኣብ ሽግግር ግብርና ቴክኖሎጂ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራፅታት ስምምዕነት ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!