ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ንግዳዊ ርክበን ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ተስማዕሚዐን።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ተወካሊ ሚኒስትር ንግዲን ኢኮኖሚን ፈረንሳይ ኒኮላስ ፎሪሲየር ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ምዕባይን ፈረንሳይ ተወሳኺ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ኣብ ዘኽእሉ ኩነታታት ተመያይጦ።
እተን ሃገራት ኣብ ዘላቒን ኩለመዳይ ዕቤትን ዘለወን ምትሕብባር ክቕፅል ንምግባር ቆራፃት ከምዝኾና ብምግላፅ ኣብ ዓውዲታት ኢንዱስትሪ፣ ዝሕደስ ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ምቅንብባር ሕርሻን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ብሓባር ከምዝሰርሓ ኣመልኪቶም።
ኣይተ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ንምምሕያሽ ፖሊሲ ሓዊሱ ትካላዊ ሪፎርምታት ናይ ምግባር ስራሕቲ እናሰርሐት ትርከብ።
እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ቀፃሊ ዝኾነ ዓለም ለኸ ተሳትፎ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ቅልጡፍን ምቹውን ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።
ቶታት ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምዕዋት ምትእስሳር ኢኮኖሚ ምስፋሕን ምጥንኻርን ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ ፈረንሳይ ንተበግሶ ልምዓት ኢትዮጵያ ንዝገበረቶን እናገበረቶ ንትርከብን ሓገዝ ኣመስጊኖም።
ኒኮላስ ፎሪሲየር ብግደኦም÷ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምንኣድ፤ ፈረንሳይ ኣብ ቀፃሊ እውን ምትእስሳር ንግዲ ንምስፋሕ፣ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ኢሉ እውን ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!