ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዘፈር ዝርገሐ ማእኸላይ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ተፈራሪመን፡፡
እቲ ስምምነት፤ ኣመራርሓ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ፈረንሳይን (ኢ ዲ ኤፍ) ከቲሞምዎ፡፡
እቲ ስነ ስርዓት ክታም ጎድና ጎድኒ ኣብ ኣፈረንሳይ ፓሪስ እናተኻየደ ዝርከብ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተኻየደ ኢዩ፡፡
ብመሰረት እቲ ስምምነት ክልቲኦም ትካላት ኣብ ዝርገሐ ማእኸላይ መስመርን ሓይሊ እንተይተቋፀ መስመራት ኤሌክትሪክ ምፅጋን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብሓባር ክሰርሑ ኢዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓገዝ ስልጠና ቴክኒክ፣ ቀረብ እታወት፣ ህንፀት ዓቕሚን ስምምዕነት ልቓሕን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዘፈራት ብሓባር ከምዝሰርሑ ተለገሊፁ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!