ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያዊት ፅጌ ካሕሳይ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዓውዲ መናእሰይ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይቲ ብምዃን ዛዚማ፡፡
እቲ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ብኣሰናዳእነት ሩዋንዳ እናተካየደ ይርከብ፡፡
ኢትዮጵያዊት ፅጌ ካሕሳይ 74 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዓውዲ መናእሰይ ካብ ኣፍሪካ ብቀዳመይቲ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ፡፡
እቲ ውድድር ልዑል ንሕንሕ ዝተረኣየሉ ካብ ዓለም መበል 7ይ ደረጃ ብምሓዝ ዝዛመት እንትኾን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ግዜ ውልቀ መናእሰይ ውድድር ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ደረጃ ምሓዛ ይዝኸር።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!