ኢትዮጵያዊያን ‘ሆኪ‘ ከምዝፃወቱፃፈልጡ ይኾኑ ዶ?

ፀወታ ልድት (የገና ጨዋታ) 29 ታሕሳስ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዝግበር ባህላዊ ፀወታ ኢትዮጵያ ኢዩ። እቲ ፀወታ ኣብ ካሊእ ክፋል ዓለም ‘ፊልድ ሆኪ’ ተባሂሉ ምስ ዝፅዋዕ ፀወታ ተመሳሳላይነት ኣለዎ።

ፀወታ ልደት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንትመሓላለፍ ዝመፅአን ካብ ፋፍቲታት ባህሊ ኢትዮጵያ ሓደ ኢዩ። ተፃትቲ በዓል ልደት ኣብ ሰፋሕቲ ሜዳታት ጫፎም ክብስ ዝበሉ ናይ ዕንፀይቲ በትሪታት ካብ ዕንጨይቲ ወይ እውን ካብ ቆርበት ዝተሰርሑ ሩራት ንምውቃዕን ንምፅዋትን ይጥቀሙ።

እቲ ፀወታ መብዛሕትኡ ግዘ ብመናእሰይ ዝውገን ይኹን እምበር መላእ ማሕበረሰብ ኣብቲ ፀወታ ንምዝንጋዕን እቲ ባህሊ ንምኽባርን ክዕደም ይገብር። ፀወታ ልደት ንሕንሕ ጥራሕ ኣይኮነን።

ሕብረት፣ ደስታን ዘደንቕ ድባብ ኢትዮጵያዊ በዓል ልደትን ዝውክልን እውን ኢዩ።

ርሑስ በዓል ልደት።

#PMOEthiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment