ኢትዮጵያውነት መለለይኡ ዝሓሸ ተሊሙ ዝለዓለ ምዕዋት እዩ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያውነት መለለይኡ ዝሓሸ ተሊሙ ዝለዓለ ምዕዋት እዩ ኢሉ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡

ኢትዮጵያ መበቆል ጥንታዊ ስልጣነ፣ ቀንዲል ነፃነት ፀለምቲ ህዝቢታት ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ኢትዮጵያ ንቀፃሊ ወለዶ እውን ዓዲ ተስፋ እያ። ኢትዮጵያዊያን ድማ ብሓባር ሉኣላውነት ካብ ምኽባር ሓሊፉ ኣብነት ምክእኣል እዮም።

“ብሓባር ንክእል ኢና” ኢሎም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ጋህዲ ገይሮም፡፡ “ብሓባር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ንክደና” ኦሎም ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲ ተተኺሎም ሓብሒቦም፡፡

ንዓለም ፅሩይ ኣየር ኣበርኪቶም፤ ንመፃኢ እውን ኣበርክቶኦም ክቕፅሉ እዮም። በዙይ እውን ኢትዮጵያውያን ምልክት ምክእኣል ኮይንና። ብዓወትና ኢትዮጵያዊነት ንዓና ኩርዓት፤ ንብዙሓት ትምኒት ምግባር ክኢልና።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዙሓት ፈልሲታት ብምትካል ክብረወሰን ብምውሳድ በቢዓመቱ ዝተሰበሩ ሓደሽቲ ታሪኻት ምፅሓፍ ዝቀፂሉ ኢትዮጵያውያን እዮም። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንቢሊየናት ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣቐሚጡ ኢትዮጵያውያን ግን ንፅባሕ ብምሕላም ፈልሲ ይተኽሉ ነይሮም፡፡

ኢትዮጵያ ሰላማ ስኢና፣ እናተቃለሰት ሰላማ ከምተፅንዕ ተኣማሚና፣ንናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ፈልሲ ይተኽሉ ነይሮም፡፡ ምትካል ጥራይ ዘይኮነስ ዓወት ብኻልእ ዓወት የመሓይሹ ነይሮም፡፡ ንሕና እውን ሎሚ ክብረ ወሰን ናብ ሉዑል ብርኪ ክብ ኣቢሎምዎ፤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ ትልሚ ፈልሲ ብምትካል ኢትዮጵያዊ መንነት ዝሓሸ ተሊሞም ዝለዓለ ንምዕዋት እዩ።

ሎሚ ይኹን ዝሓለፈ ዓመታትን ዓወታት ስቅ ኢሉ ዓወት ኣይተረኽበን። ፈልሲ ምብቋል፣ ቦታታት ብምድላው፣ መትከሊ ቦታታት ብምፍላይን ብምድላውን እቶም ፈልሲታት ኣብ እዋኖም ብምትካልን ብምሕብሓብን ዘድክም ፃዕሪ ትፅቢት ይግበር፡፡

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ፃውዒት ኩሉም ደቂ ኢትዮጵያ ሎሚ ሕልሚ ሃገሮም ብምዕዋት ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፎም፡፡

ሎሚ ልዕሊ 29 ሚሊየን 700 ሺሕ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ሓለፍቲ ትካላትን ፈልሲ ተኺሎም። ኣብቲ ዕለት 700 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ብፃዕሮም ካብ ዝተለምዎ ንላዕሊ ዘዐወቱ ኢትዮጵያዊያን ልዕሊ 714 ሚልዮንን 700 ሽሕ ፈልሲ ብምትካል ካብ ሸቶኦም ንልዕሊ ኣመዝጊቦም፡፡

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኩሉ ምግባር ንኽእል ኢና!

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ

24 ሓምለ 2017 ዓ.ም

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment