ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ንቑሕ ተሳትፎ ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ንቑሕ ተሳትፎ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሙሉጌታ ኣጎ፥ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘተ ብምግባር ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እውን እቲ ተግባር ይካየድ ምህላዉ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ካልኦት ክፍላተ ዓለማት ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተመሳሳሊ ተግባር ከምዝካየድ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment