ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ንቑሕ ተሳትፎ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሙሉጌታ ኣጎ፥ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘተ ብምግባር ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እውን እቲ ተግባር ይካየድ ምህላዉ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ካልኦት ክፍላተ ዓለማት ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተመሳሳሊ ተግባር ከምዝካየድ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!