ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድራት ጎደና ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጎደና ተዓዊቶም፡፡

ኣብ ሮማንያ ዝተኻየደዳድድር 10 ኪሎ ሜትሮብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ክዕወቱ ዝኸኣሉ እንትኾኑ፥ ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ከበሪ ቤጂጋ ከምኡ እውንብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መዲና ኢሳ ተዓዊቶም።

ኣብ ስፔን ኣልባሴቴ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊቶም።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ሓጎስ እዮብ ቀዳማይ ክዛዝም እንትኽእል፥ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ኪሮስ ሙዑዝ ተዓዊታ።

ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶ ጣሊያን ትሬንቶ ኣትሌት ሃብታምነሽ ተስፋይ ቀዳመይቲ ብምዃን ዛዚማ።

ኣብ ካርዲፍ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ይስማው ድሉ ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ እንትዕወት፥ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ፍቃዱ ሊቻ ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ኣለም ንጉስ 2ይቲ ከምኡ እውን ኣትሌት ውድነሽ ኣለሙ 3ይቲ ወፂአን፡፡

ኣብ ማራቶን ኮሎኝ ዝተሳተፈት ኣትሌት ፋንቱ ሹጊ ቀዳመይቲ ወፂኣ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment