ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ትማሊ ምሸት ኣብ ስፔን ማድሪድን ኣብ ቤልጂዬም ሂዩስደንን ዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።
ኣብ ቤልጂዬም ሂዩስደን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ንግስት ጌታቸው 1 ደቒቕን 57 ሰከንድ 01 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ናይ ባዕላ ብሉፅ ምምሕያሽ ሰዓት ዛዚማ፡፡
ኣትሌት ንግስት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ብ1 ደቒቕን 59 ሰከንድ 89 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ስዓት ምዕዋታ ይዝከር፡፡
ኣብ ስፔን ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ብ3 ደቒቕን 34 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዊቱ፡፡
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣትሌት ሞሲሳ ስዩምን ኣትሌት ወገኔ ኣዲሱን 7ይን 8ይን ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ነፃነት ደስታ 3ይ ከምኡ እውን ኣትሌት ትግስት ግርማ 4ይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚመን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!