ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬታ ጥራሕ ዘይኮነትስ ንዘበናት ዝተሳገረ ታሪኽ፣ ብብዙሓት ወለዶታት ዝተሃነፀ መንነት፣ ብፈተናታት ዘይተሰብረ ፅንዓትን ካብ ሎሚ ንላዕሊ ንመፃኢ ዝጥምት ህዝቢን ዝሓቖፈት ሃገር እያ።
ዓብዪ ምዃን ሕሉፍ ታሪኽ ምዝንታው ጥራሕ ኣይኮነን፤ ነቲ ሕሉፍ ናብ ፅባሕ ናይ ምቕያር ዓቕሚ እዩ። ታሪኽ ትማሊ ናይ ሎሚ ሓይሊ ብምግባር ፍልጠት ሎሚ ድማ ናይ ፅባሕ ዓወት ኮይኑ ክህነፅ ምግባር እዩ።
ኣብዚ እዩ ናይቲ ህዝቢ ዓብዪ ምዃን ዝጅምር። ብዙሓት ቋንቋታት፣ ባህሊታትን ታሪኻትን ዝሓዘ እዚ ህዝቢ፤ ኣፈላላያቱ ናብ ሓይሊ፣ ብዙሕነቱ ድማ ናብ ሓባራዊ ዕድል ክቕይሮ እንተኽኢሉ ግዝፈቱ ብቑፅሪ ዘይኮነስ ብውፅኢት ዝምዘን።
ራኢ ድማ ነዚ ዕቤት ናብ ሓደ ኣንፈት ዘተኣኻኽብ ኣረኣእያ እዩ።
ነቲ ዝቕፅል ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝመፅኡ ወለዶታት እውን ዝሓስብ ራኢ፤ ሎሚ እንጅምሮ ስራሕ ነታ ኣብ ፅባሕ እትረአ ኢትዮጵያ ከምዝሃንፅ ዝኣምን ራኢ።
ዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝቢ፣ ዓብዪ ራኢ።
እዚ ናይ ትማሊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይ ፅባሕ ተስፋ እውን እዩ።