ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኣሰርን ትሩፋት ሌማትን ኣቢላ ሉኣላዊነት ንምርግጋፅ ዝወገነቶም ተግባራት ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ዝኸውን ኢዩ ኢሉ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ)።
ሚኒስቴር ሕርሻ ምሽ ፋኦ ብምጽኽብባር “እጅ ንኢድ ንዝሐሸ ስርዓተ ምግብ ንዝሐሸ ህይወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መዓልቲ ምግቢ ዓከለም ኣኽቢሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ኢያሱ ኤልያስ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት እናተግበረቶ ዝፀንሐት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘላቕነት ዘለዎ ልምዓት ደኒ ንኽህሉን ጠለብ ምግባ ንምምላእን ኣኽኢሉዋ፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ንዓለም እናፈተነ ዝርከብ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ዘኽእል ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡
ተወካሊ ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚ ሙድዚ ብግደኦም፥ ብሓምለዋይ ኣሰርን ትሩፋት ሌማትን ኣቢላ ሉኣላዊነት ንምርግጋፅ ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡
ንህዝቢ ዓለም እናፈተኑ ካብ ዝርከቡ ፀገማት ሓደ ሕፅረት ምግቢ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፥ ኢትዮጵያ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ፍሉይ ትኹረት ህቢ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም፡፡
ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ንኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ዘላቒ ልምዓት ደኒ ብዝብል ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ብዝብል ዘፈር ቅድሚ መዓልቲታት ኣፍልጦ ምሃቡ ይዝከር።
ብሃመልማል ዋለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!