ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ክህቡ ኢዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ዓውዲ ኣብዚ ዓመት 12.8 ሚኢታዊ ዕብየት ንከምፅእ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ዕደና ዘለዋ ሃገር ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ ዓቕሚ መዓድን ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ በፂሑ ኢሎም።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘሎ ድልየት ኢነርጂ ብ40 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ እውን ገሊፆም።
ወርቂ ኣብዚ ዓመት 37 ቶን ሰደድ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ብድምር ኣብዚ ዓመት 3.5 ቢሊየን ዶላር ብሰድድ ዕዳጋ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ዘበን ዘይነበረ ዕውቱነት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሪያት ጋዝ ዝዋፈሩ ኩባኒያታት ፍቓድ ኣውፂኦም ናብ ጭቡጥ ስራሕ ኣይኣትዉን ነይሮም፤ ሐዚ ግን እዚ ክመዓራረ ብምግባርና ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ ኢሎም።
ከም መንግስቲ ሰሪሕና እንሓድር እንበር ኣውሪና እንሓድር ኣይኮናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ድሕሪ 40 ኣዋርሕ ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ሃኒፃ ክትዛዝም ኢያ ክብሉ ገሊፆም።