ኢትዮጵያ ሓበራዊ ዝኽሪ ደቂ ሰባት ተሓሊዩ ንክፀንሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪታ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሓበራዊ ዝኽሪ ደቂ ሰባት ተሓሊዩ ንክፀንሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪታ ኢያ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ነብዩ ባዬ፡፡

ቅርስታት ስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው፣ ምክንኻን፣ ምፍላጥን ኣብ ማህደር ዝኽሪ ዓለም ናይ ምምዝጋብን ስራሕ ዘተሓባብር ኮሚቴ ብምጥያሽ ስርሑ ብወግዒ ጀሚሩ።

ኣገልግሎት ቤተ መፃሕፍትን ቤተ መዛግብትን ኢትዮጵያ ምስ ዩኔስኮ ብምዃን መዓልቲ ቅርሲ ኦዲዮቪዥዋል ጠሚቱ ኣብ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ እቲ ኮሚቴ ስራሕ ምጅማሩ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ነብዩ ባዬ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ቅርስታት ስነ ፅሑፍን ቃላዊ ታሪኽን በዓልቲ ዋና፣ ካብ መንጎ ጥንታዊ ስልጣነታት ዓለም ሓንቲ ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ሓበራዊ ዝኽሪ ደቂ ሰባት ተሓሊዩ ንክፀንሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪታ ኢያ ኢሎም።

ብግዛቸው ግርማዬ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment