ኢትዮጵያ መብፅሒት ቱሪዝም ቡን ምዃና ንምርኣይ ዝዓለመ መርሃ ግብሪ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ቱሪዝም ቱሪዝም ቡን ብዝምልከት ንሸብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ነርሃ ግብሪ መዕበዪ ግንዛበ እናካየደ ይርከብ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ዓረቢካ ቡን ዝርከበላ ሃገር ከምዝኾነት ብምጉላህን ቡን ምስ ባህሊ ኢትዮጵያውያን ዘለዎ ልዑል ምትእስሳር ብምርኣይ እታ ሃገር ኣብ ዓውዲ ባህሊን ቱሪዝምን ዘለዋ ተመራፅነት ንምፍላጥ ዝዓለመ ኢዩ።

ናብ ከባቢታት ኣፍረይቲ ቡን ዝግበር ጉዕዞ፤ ጋዜጠኛታት ካብ ምእራይን ምድላውን ቡን ተተሓሒዙ ኣብ ተግባራዊ ፍፃመታት ብምስታፍ ምስ ቱሪዝም ቡን ንኽፋለጡ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ለኣኹት ቡን ሃገር ጥራሕ ዘይኮነት ተመራፂት መብፅሒት ቱሪዝም ቡንን ወናኒት ውቁባት ባህሊታትትን ከምዝኾነት ንምርኣይ ዘኽእል ኢዩ።

ጉጅለ ጋዜጠኛታ ኣብ ክልል ሲዳማ ፌሮን ከባቢኡን ሓረስቶት ኩለመዳይ መሰረታዊ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዘልምዖ ቡን ከምኡ እውን ወረዳ ገደብ ተሃኒፁ ቡን ይርጋጨፌ ካብ ምእራይ ጀሚሩ ዘለዎ ከይዲ ተመልኪቱ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment