ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ማእኸል ሓይሊ ቀርኒ ኣፍሪካ ብምዃን ቀጣናዊ ዝምድና ተጠናኽር ኣላ ኢሎም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
መጀመሪ መርሃ ግብሪ መበል ካልኣይ ሰሙን ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።
እቶም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር፥ ማይን ኢነርጂን ናይ ዓውዲታት ሞተር ሽግግር፣ ንኢንዱስትሪ ሓይሊ፣ ንግብርና እታዎት፣ ኩነታት ናብራ ስድራ ብምምሕያሽ ተስፋ ፅባሕ ዝኹልዕ ኢዩ ኢሎም።
ፅሩይ መስተ ማይን ተበፃሕነት ኤሌክትሪክን እናተጠናኸረ ከመዝኾነ ብምሕባር፥ ብፍላይ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊን ሓምለዋይ ልምዓትን መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሚሊይ ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ብኽለት ዝፀረየ ኣማራፂ ሓይሊ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ጎረባብቲ ሃገራት እውን እናማዕበለ ካብ ዘሎ ልምዓት ሓይሊ ተረባሕቲ ከምዝኾና ገሊፆም።
ስለዚ ኢትዮጵያ ማእኸል ሓይሊ ቀርኒ ኣፍሪካ ብምዃን ቀጣናዊ ዝምድና ተጠናኽር ኣላ ኢሎም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!