ኢትዮጵያ ምስ ህዝባ እናዘተየት ማሕለኻታት ብምስጋር ዓወታ ክተቕፅል ኢያ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ህዝባ እናዘተየት ማሕለኻታት ብምስጋር ዓወታ ክተቕፅል ኢያ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ መራሕቲ ፖለቲካ ፓርቲ፣ ተወከልቲ መምህራን፣ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ከምኡ እውን ተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኩለመዳይ ዕዉትን ዘተ ኣካይዶም ኢዮም።

እቶም ልዝባት በቢዓውዱ ዘለዉ ጠለባትን ማሕለኻታትን ናብቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፊት ንፊት ንምቕራብ ዕድል ዝፈጠሩ፣ ብመንፅር እዚ ድማ ኣብ ሓፂር ግዘ ክፍትሑ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣንፈት ዝተውሃበሎምን ብነዊሕ እዋን ኣብ ዝፍትሑ ድማ ትልሚ ዝተቐመጠሎም ኮይኖም ብዓወት ከምዝተዛዘሙ እቲ ኣገልግሎት ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ህንፀፅ ማሕበረ ኢኮኖሚ ዘቀላጥፉ፣ ተወዳዳራይነትን መፍረያይነትን ዝውስኹ ከምኡ እውን ባህሊ ስራሕ ዘዕብዩ ተግባራት ብዝበለፀ ንኸጎልብቱን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንኸስፋሕፍሑን ኣበረታቲዖም።

ምስ መራሕቲ ፖለቲካ ፓርቲ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ድማ ቀፃልነት ንዘለዎ ሰላምን ድሕንነትን፣ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ጥንኩር ሃገራዊ ሓድነትን ንኹሉ ዝሓቁፍ ምምሕዳርን ዘለዎ ኣድላይነት ንመልዓል መራሕቲ ፖለቲካ ፓርቲ ሃናፂ ተሳትፎን ዝተረጋገአ ምንቅስቓስ ፖለቲካን ንኽገብሩ ኣተሓሳዲቦም።

ምስ መምህራንን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ዝገበሩዎም ምኽክራት ነቶም ሰብ ሞያ ኣብ ህንፀት ሃገርን ትውልዲን ንዘበርከቱዎ ወሳኒ ግደ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብቶም ዓውዲታት ዝረኣዩ ፀገማት ንምምሕያሽ መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት ከምዘረጋገፁ እውን እቲ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣመልኪቱ፡፡

ምስ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ባህላዊን መንነትን ክብሪታት ኢትዮጵያ ምሕንፃፅን ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ምድንፋዕ እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃሪታት ንኸጠናኽሩ ሓቲቶም።

ኪነ-ጥበብ ንህንፀት ሃገረ-መንግስቲን ንሰናይ ማሕበራዊ ክብሪታታን ዘይትካእ ግደ ዘለዎ ብምዃኑ ኪነ ጥበባዊ ፈጠራ ዘበረታትዕ ምህዳር ንኽጉልብት መንግስቲ ግቡእ ሓላፍነት ከምዝዋፃእ ገሊፆም።

ካብ ውልቀን መንግስቲን መራኸብቲ ሓፋሽን ርክብ ህዝቢን ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከለት ኣብ ዝነበሮም  ዘተ ድማ ናፃን ሓላፊነት ዝስመዖን ሚዲያ ዲሞክራሲ ንምዕሳል ዘለዎ ወሳኒ ግደ ኣፅንኦት ብመሃብ፣ ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ከምዝዋፃእ ቃል ኣቲዮም።

ሃገራዊ ራኢ ዝዕወት ብፃዕሪን ትግሃትን ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ኢዩ፤ ኣብዛ ሃገር ዝረኣዩ ማሕለኻታት መፍትሒ ዝረኸቡ፣ ዓወታት ብዝበለፀ ዝድንፍዑን ፅቡቕ ምስሊ ኢትዮጵያ ዝጎልህን ቀሪብካ ብምዝርራብ፣ ኣብ ዕላማ ብምርድዳእ ከምኡ እውን ዘጋጥሙ ፀገማት እናተፈትሑ እንትኸዱ ኢዩ ኢሉ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ።

ነዚ ድማ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ዝገብሮ ዘተ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment