ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኳታር ኣብ ሓራዊ ተረባሕት ህዝቢታት ብቆራፅነት ምስራሓ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ሴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡
ኣይተ ኣደም ምስ ኣምባሳደር ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ሰኣድ ሙባረክ ኣል-ናይሚ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻኻ ስትራቴጂያዊን ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ክልተኣዊ ጉዳያት፣ ኣብ ምስፋሕ ኢንቨስትመንትን ሓበራዊ ተረባሕነት ዘድሀቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዝርዝር ከምዝዘተዩ ገሊፆም።
ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝርከቡ ኩለመዳይ ስራሕቲ ልምዓትን እናተመዝገቡ ዝርከቡ ዓወታትን ብዝምልከት መብርሂ መሃቦም ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ምስ ኳታር ዘለዋ ምሕዝነት ብዝበለፀ ኣብ ምዕባይ፣ ንህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ተረባሕነት፣ ንዞባዊ ምርግጋእን ብቆራፅነት ምስራሓ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።
እቶም ኣምባሳደር ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት እናተመዝገበ ዝርከብ ውፅኢት ዘዕግብ ከምዝኾነ ብምሕባር ብፍላይ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝግመት፣ ግልፂን ምቹውን ከባቢ ኢንቨስትመንት ከምዝተፈጠረ ምስክርነቶም ሂቦም።