ኢትዮጵያ ምስ ዘበን ዝዘመኑ ትካላት ፀፅታ ትሃንፅ ኣላ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ከዘመን ምስ ዘበን ዝዘመኑ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ክብሪታት ዝተመስረቱ ትካላት ፀፅታ ትሃንፅ ኣላ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ምስ ኣመራርሓ ትካላት ፀፅታ እናተገበረ  ዝነበረ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ ኢሎም፡፡

ፀፅታ ኣካላት ኩሉ ግዘ ድሉዋት ምዃን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ዘኽእል ደረጃ ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገምጊሙ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ከዘመን ምስ ዘበን ዝዘመኑ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ዝተመስረቱ ትካላት ፀፅታ እናሃነፀ ከምዝኾነት ብምሕባር፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ቦታን ንዝኾነ ይኹን ኩነታት ድሉዋት ዝኾኑ ትካላት ፀፅታ ምህናፅ ናይ ጉሉ ግዘ ተግባር ንምግባር ኣንፈት ተቐሚጡ ኢሎም፡፡

ከም ሽርሒ፣ ውንብድና ገፀርን ከተማን፣ ኮንትሮባንድ፣ ግዕዝይና፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ገንዘብን ዝበሉ ገበናት ብምክልኻልን ምቁፅፃርን ሰላም ህዝቢ ምኽባር ከምዝግባእ ኣብቲ ዘተ ብስፍሓት ተላዒሉ ኢዩ፡፡

ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምትዕንቓፍ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተግባር ራዕዲ ዝፍፅሙ ኣካላት ብፍላይ ብሳይበር ቴክኖሎጂ ናይ ምክትታልን ምቁፅፃርን ስራሕቲ ብዝበለፀ ክጠናኸሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ጂኦ ፖለቲካዊ ዝኽትምና ኢትዮጵያ ኣብ ዘኽተመሉን ቁመነኣ እናተመዓራረየ ኣብ ዝመፅአሉን ኣብዚ እዋን፥ ትካላት ፀፅታ ሉእላውነት ሃገር፣ ናፅነት፣ ዶብ፣ ሰላምን ድሕንነትን፣ ጉዕዞ በልፅግና ንምኽባር ኣብ ዘኽእልሉ ዓቕምን ቁመናን ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ቀንዲ ልኡኽ ትካላት ፀፅታ ሰላም ምፅናዕ ስለዝኾነ፥ እቲ ናይ ኩሉ ግዘ ድልውነት ብዝበለፀ ብምጥንኻር፣ ናይ ውሽጥን ወፃኢን ፀገም ፈጠርቲ ኣደብ ኣትሒዙ፣ ሰላም ብዘፅንዕ መገዲ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment