ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ብዝዘለለ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ንምሕላ ብዘኽእል መልክዑ ትካላዊ ሪፎርም እናካየደት ምዃና ዋና ዳይሬክተር ጀኔራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዛሪቦም።
ኣምባሳደር ሬድዋን እዚ ዝበሉ ኢትዮጵያ እናተኣናገደቶ ትርከብ ዞባዊ ኣኼባ ኮሚቴ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ ኢዩ።
ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ውሽጣዊ ፀገም ሰላም፣ ዘረፋ ሸፋቱ ባሕሪ፣ መጥቃዕቲ ሳይበር፣ ዝውውር ዘይሕጋዊ ሰባትን መሰል ፈተናታትን ከምዘጋጠሙ ኣብሪሆም፡፡
እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ንምፍታሕ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
“በዚ ድማ ናትና ሓላፍነት ከካብ ሃገርና ሓለዋ ድሕንነት ዝሓልፍ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጀኔራል፤ “ዞባዊ ሰላም ንንምርግጋፅ የድልየና” ኢሎም፡፡
ትካል ብሄራዊ ድሕንነትን ሓበሬታን ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ትካላዊ መመሓየሺ እናዓበየ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሓይሊ ሰብ ብቴክኖሎጂን ክእለትን ኣብ ምምሕያሽ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡
ድሕሪ እቲ ኣኼባ ድማ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ቅዋምን ኣንፈትን ክነቐምጥ ኢና ኢለ የኣምን” ኢሎም፡፡
ብለይኩን ኣለም