ኢትዮጵያ ቡና ንነገሌ ኣርሲ ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ቡና ንነገሌ ኣርሲ 2 ን 1 ስዒራታ፡፡

ኢትዮጵያ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኣቡበከር ኣዳሙን በፍቃዱ ኣለማየሁን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ብሕታዊት ሸቶ ነገሌ ኣርሲ ድማ ገ/መስቀል ዱባለ ኣመዝጊቡዋ፡፡

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል፤ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ፋሲል ከነማ ካብ 9 ሰዓት ጀሚረን እናተፃወታ ይርከባ፡፡

ቀትሪ ሰዓት 10 ድማ ሸገር ከተማ ምስ ኣዳማ ከተማ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝፃወታ እንትኾና÷ ወላይታ ድቻ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ድማ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ክራኸባ ኢየን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment