ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ቡና ንነገሌ ኣርሲ 2 ን 1 ስዒራታ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኣቡበከር ኣዳሙን በፍቃዱ ኣለማየሁን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ብሕታዊት ሸቶ ነገሌ ኣርሲ ድማ ገ/መስቀል ዱባለ ኣመዝጊቡዋ፡፡
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል፤ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ፋሲል ከነማ ካብ 9 ሰዓት ጀሚረን እናተፃወታ ይርከባ፡፡
ቀትሪ ሰዓት 10 ድማ ሸገር ከተማ ምስ ኣዳማ ከተማ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝፃወታ እንትኾና÷ ወላይታ ድቻ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ድማ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ክራኸባ ኢየን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!