ኢትዮጵያ ብሃገር በቀል ኢኮኖሚ ሪፎርም ብምምራሕ ተወዳዳሪ ዘፈር ኢንቨስትመንት ትሃንፅ ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚ ሪፎርም ብምምራሕ ተወዳዳሪ ዘፈር ኢንቨስትመንት ትሃንፅ ከምዘላ ገሊፆም።
4ይ ኢንቨስት ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቢዝነስ ፎረም “ንቢዝነስ ስራሕ ድልውቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተካየደ ይርከብ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትራንስፎርሜሽን ዝተተግበሩ ስራሕቲ ተሃድሶ ዝጭበጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ ኢኮኖሚ ሪፎርም እናተመርሐት፣ ዘተኣማምንን ምቹእን ዘፈር ኢንቨስትመንት ትሃንፅ ከምዘላ እውን ገሊፆም።
ብለይኩን ኣለም
Comments (0)
Add Comment