ኢትዮጵያ ብሓበራዊ ሽርክና ንምዝማድን ንምልማዕን ድልውቲ ኢያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብሓበራዊ ሽርክና ምስ ዓለም ንምዝማድን ንምልማዕን ድልውቲ ኢያ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

በቢዓመቱ ኣብ ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ ዱባይ ዝሰናዳእ ጉባኤ ዘተ መንግስታት ዓለም ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ሽግግር ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ዝድግፉ ሰትራቴጂካዊ ተግባራት ኣብ ምክያድ ከምእትርከብ ገሊፆም።

ንኣብነት ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ዝተሃነፀ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምሕባር፥ እቲ ግድብ ልዕሊ 6 ሺሕ ሜጋ ዋት ምፍልፋል ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ካብ ስርናይ ኣምፀኣይነት ኣብ ኣፍሪካ ዓብዪ ኣፍራይት ስርናይ ናብ ምዃን ምስግጋራ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 640 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ቡን ምፍራያ እወን ሓቢሮም።

ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጓዓዝቲን  3 ሚሊየን ቶን ፅዕነትን ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ ናይ ቢሸፍቱ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ህንፀት ብ12 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ስግግር ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ካብ ዝድግፉ ተግባራት ሓደ ኢዩ ኢሎም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment