ኢትዮጵያ ብምርምር ተሓጊዛ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕቲ ሕርሻ ዘደንቕ ኢዩ – ተሳተፍቲ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብምርምር ተሓጊዛ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕቲ ሕርሻ ዘደንቕ ኢዩ ኢሎም ተሳተፍቲ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታት፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መልካሳ ከምኡ እውን ኣብ መቀነባበሪ ምግቢ ዲና ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ፍርያትን መፍረያይነትን ንምድንፋዕን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ብቖራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብቲ ዑደት ከምዝተገንዘቡ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ማእኸል ምርምር ለውጢ ንብረት ኣየር ክፃወሩ ኣብ ዝኽእሉ ዝራእቲ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ተሳተፍቲ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዝፃወሩ ዝራእቲ ብትኹረት ምስራሓ ንኢዶም።

ብሄብሮን ዋልታው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment