ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ካብ ንጉሆ 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሜጋ ፕሮጀክትታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ኢትዮጵያ ብጋዝ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ፣ መዕርፎ ነፈርቲን ልምዓት ኣባይቲን አንሰርሖ ስራሕ ፀወታ ቀያሪ ኢዩ ኢሎም።
ፍሪያት ዘበናዊ ዱኽዒ ብውሽጢ ዓዲ ብምትካእ ጥራሕ ፍሪያት ግብርና ብንኡስ ብዕፅፊ ምዕባይ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ኢዩ ኢሎም።
ካልኦት እውን እንትዛዘሙ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ለውጢ ምምፃእ ከምዝከኣል ኣገንዚቦም።