ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብፍሪያት ተነሓናሒት ንክትከውን ኣብ ዝፈሪዩ ፍሪያታት ንፅርየት ቆላሕታ ተዋሂቡ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዘምድናን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)።
ትካል ምዘና ቅቡልነት ኢትዮጵያ መበል 14 ጊዜ ሰሙን ፅርየት ዓለም ምኽኒያት ብምግባር መረጋገፂ ፅርየት ዝተውሃቦም ልዕሊ 150 ትካላት ብምስታፍ ኣብ መንደር ፅርየት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሕዳር 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ተነሓናሒነት ፍሪያት ኢትዮጵያ ክብ ንምባል ኩለ መዳይ ተግባራት ተካየድ ኣላ ኢሎም።
ካብ መንጎ እቶም ዝካየዱ ተግባራት ስራሕቲ ምፍራይ ጠመተ ከምዝወሃቦም ገሊፆም።
ምፍራይ ጥራይ እኹል ስለዘይኮነ ፅርየት ፍሪያት ልዑል መመዘኒ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ብፍሪያት ተነሓናሒት ንክትከውን ልፅርየት ልዑል ቆላሕታ ከምዝተውሃቦ ሓቢሮም።
ብቅድስት ተስፋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!