ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ዲጂታል መለለዪ ማንነት ኣብ ምርግጋፅ ንኣፍሪካ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ሰሪሓ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ዲጂታል መለለዪ ማንነት ኣብ ምርግጋፅ ንኣፍሪካ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ምስራሓ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ ገሊፆም።

ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ 12 ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸፈተ ይፍለጥ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ማንነት ዘነፃፀሩ ተመክሮታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቐርብሉ እንትኸውን፥ ኣብ ዲጂታል ፓስፖርትን መለለዪ ማንነትን ዝሓሸ መፍትሒ ብምሓዝ ዝመፅኡ ኩባኒያታት ፍሪያቶም ንምርኢት ኣቕሪቦም ኢዮም።

ኣፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሓበራዊ ኩባኒያ ቶፓን ሴኪዩሪቲ ጃፓንን ኢትዮጵያ ቃልኪዳን ኣረጋ÷ እቲ ኩባኒያ ስትራቴጂክ ዝኾነ ሚስጢራዊ ሕትመት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ግዘዙፍ ፋብሪካ ሕትመት ይሃንፅ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ፋብሪካ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣብ ዓመት ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፓስፖርት ከምዘፍሪ ሓቢሮም።

ዘፍረዮ ፍሪያት ድማ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ንካልኦት ሃገራት ንምቕራብ ዘኽእሎ ኢዮ ኢሎም።

ሕትመት እቲ ፓስፖረት ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምትራፍ ብተወሳኺ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ሃገራዊ ክብሪ/እሴት ዝተላበሰን ከምኡውን ንኩሎ ዜጋ ተበፃሒ ዝኸወን ፖስፖረት ንምቕራብ ከምዘኽእል ኣፍሊጦም።

በዓል ሞያ ሽይጣት ኩባንያ ኢፕቴክ ቻይና ሃርበርት ጎንዶ፥ እቲ ኩባኒያ ዘተኣማመን ናይ ማንነትን ድሕንነትን መረጋገፂ መፍትሒታት የቕርብ ከምዘሎ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment