ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒኩሌር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ቆራፅ ኢያ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ዕቤት ንምምፃእ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኒኩሌር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ቆራፅ ኢያ ኢሎም።

ኣብ ኦስትርያ ቬና እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 69 ዓለም ለኸ ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ኒኩሌር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብዝምልከት ቅዋም ኢትዮጵያ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ንዝኾነ ሃገራዊ ዕቤት ንኽሕግዛ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኒኩሌር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ግድብ ህዳሰ መሪቖም ኣብ ዝኸቱሉ እዋን ዕላዊ ካብ ሞንጎ ዝገበሩዎም ፕሮጀክታት ሓደ ሓይሊ ኒኩሌር ንሰላማዊ ዕላማ ምውዓል ከምዝኾነ ዝሓበሩ በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፤ እቲ ኤጀንሲ ነቲ ፕሮጀክት ንኽሕግዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያ ሳይንስና ቴክኖሎጂን ኒዉክሌር ንሰላማዊ ዕላማ ማለት እውን ንቀረብ ሓይሊ፣ ንምርምር፣ ንጥዕና፣ ንሕርሻ፣ ንኢንዱስትሪን ሓለዋ ከባቢን ንምጥቃም ንኽሕግዛ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1957 ጀሚሩ ኣባል እቲ ኤጀንሲው ምዃና ይፍለጥ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment