ኢትዮጵያ ትልሚታት ምዕባለኣ ኣብ ፅኑዕ መሰረት እናሃነፀት ትርከብ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ትልሚታት ምዕባለኣ ኣብ ፅኑዕ መሰረት እናሃነፀት ትርከብ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለፂ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

እንኳዕ ን2 ጳጉሜን መዓልቲ ብራኸ ብሰላም ኣብፅሓኩም፣ ኣብፀሓና!

ኢትዮጵያ ትልምታት ምዕባለኣ ኣብ ፅኑዕ መሰረት እናሃነፀት ትርከብ። ኢትዮጵያ ብፖሊሲታትን ትልሚታትን መንግስቲ መደመር እናተመርሐት፣ ሓፈሻዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ እናተግሀት ትርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብዝተዋደደ ዓቕሚ እናተሳገረት፣ ካብ ፀገማትን ፈተናታትን ዕድላት ፈልፊላ እናውፀአት፣ መፃኢ ዕድላ ኣብ ፅኑዕ መሰረት እናንበረት ትርከብ።

ንዘመናት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ካብ ኣድማስ ክሳብ ኣድማስ እናተውለብለበ ዝፀንሐ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ፅብሑ ብምሕሳብ፣ ከም ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዝበሉ መሰረተ ልምዓታት ከምኡ’ውን ብሓፈሻዊ ለውጥታት ይሓልፍ ኣሎ።

ነባራትን ሓደሽቲን መብፅሒታ ቱሪዝም እናማዕበሉን ተበፃሕነቶም እናዓበየን ይርከብ። ሕርሻና ካብ ተፀባይነት ዝናብ እናተናገፈ እዩ፣ ንገፀርን ከተማን ድማ ልዕል ዕድል ስራሕ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። ኣማራፂታት ዝሕደስ ሓይሊታትና ካብ ማይ፣ ንፋስ፣ ፀሓይ፣ ጂኦተርማልን ኑክሌር ሓይሊን ንኽኾኑ መንግስቲ መደመር ቀትሪን ለይቲን ይሰርሕ ኣሎ።

ከተማታታ ድማ ዝነበረን ጉስቁል ምስሊ እናተለወጠ ፅባሕ እናኣንፈታ፤ መሰረተ ልምዓታታ እናስፋሕፋሓን እናተዋሃሃዳን ዓቕሚ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን እናተጠናኸረ፤ ማእኸል ዝሕደስ ሓይሊ እቲ ዞባ ናይ ምዃን ዓቕማ እናዓበየ፤ ሃፍቲ መዓድና ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ረብሓ እናውዐለት፣ ንመፃኢ ወለዶ ሓፈሻዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ትሰርሕ ኣላ።

ብራኸ ኢትዮጵያ ዘብስሩ፣ ዝላ ዕቤታ ዝያዳ ዘቀላጥፉ ፅኑዓት መሰረታት እናተሃነፁ ይርከቡ። ኢትዮጵያውያን ድማ ነቲ ስርዓት ንምጥንኻርን ድሌቶም ንምርግጋፅን ዘለዎም ቆራፅነት ብግልፂ ፃውዒት መንግስቲ ኣብ ዘርእይዎ ተሳትፎ እናገለፁ ይርከቡ።

ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ካብ ለይቲ ክሳብ ለይቲ ዝነበሩ ፈተናታት ተፃዊሮም ድምፆም ምሃቦምን ውፅኢቱ ብሓጎስ ምቕባሎምን፤ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርፃቢዓመቱ እናዓበየ ዝመፅአ ተሳትፎን ዓወትን ምምዝጋቦም፤ ፍልልይ ሓሳባት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሃገራዊ ዘተ ምምራፆም፣ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዕላማታት መንግስቲ መደመር ዘለዎም ሓባራዊ ተስፋን፣ እቲ ዓወት ንምርግጋፅ እናገበሩዎ ዝርከቡ ርብርብን ዘርኢ እዩ።

ስርዓት ዴሞክራሲ ብምንጋስ፤ ብዝሃ ዘፈራት ኢኮኖሚ ብምኽታል፤ ዘበናዊ ኣነባብራ ከተማታት ናብ ገፀር ብምልማድ፤ ቀረብ ዝሕደስ ሓይሊ ብምምሕያሽ፤ መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ብምዝማንን ብምስፋሕን፣ ንሓፈሻዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ፅኑዕ መሰረት እናተነበረ ይርከብ። ነዚ እዩ ድማ 2 ጳጉሜን “መዓልቲ ብራኸ” ብዝብል ስያመ እናኽበርናያ ንርከብ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment