ኢትዮጵያ ነዳዲ እንተይሃለዋ ካብ መንጎ ቀዳማይ ምዕባለ ዘመዝገባ ሃገራት ሓንቲ ኢያ-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጉዳያት ኢኮኖሚ ጠሚቶም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት  ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ኢትዮጵያ ነዳዲ እንተይሃለዋ ካብ መንጎ ቀዳማይ ምዕባለ ዘመዝገባ ሃገራት ሓንቲ ኢያ ኢሎም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ምዕባለ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ ባጀት ዓመት ብምግምጋም ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ናይ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ንክተመዝግብ መመሓየሺ ትልሚ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እቲ ትንበያ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ(ኣይ ኤም ኤፍ) ትንበያ ዝተቐራረበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment