ኢትዮጵያ ናይ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ኣሕዋት ሓቂ ኣይተትርፍን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ዝሃነፀቶ ንምምዕባለን ነቲ ዞባ ብርሃን ንምዃን እምበር ብፍፁም ጎረባብቲ ኣሕዋት ንምጉዳእ ኣይኮነን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ዳግማይ ዓድዋ ዝኾነን መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢትዮጵያውያን ዝኾነን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ጉባ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ታሪኽ ሰሚዕና ኢና ታሪኽ ርኢና ኢና፣ ታሪኽ ተምሂርና ኢና፣ ሎሚ መዓልቲ ድማ ፈጣሪ ዝመረፆ ትውልዲ ስለዝኾንና ታሪኽ ሰሪሕና ኣለና ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚሩ ዳግማይ ዓድዋ ኣብ ጉባ በዚ ትውልዲ ብምስርሑ ዘበን ልመና፣ ስንፍናን ምስቁንቋንን ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ኢሎም፡፡

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ብልክዓ ብመጠና ትልከዐሉ ዘበን ኣብ ቅድሚኣ ከምዝመፅአ ብምሕባር÷ ኢትዮጵያ ክትምዕብል ኢያ፤ ካብ ተሓጋዛይነት ወፂኣ ድማ ሓጋዚት ክትከውን ኢያ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ፈላማይ መዓልቲ ብራኸ ኢትዮጵያ ምሳና ንዝተረኸብኩም ፈተውትና ኣብ ዘመንኩም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዘበን ደቅኹም ኩሉ ፈተውቲ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮንኩም ካብ ኩሉ ሃፍታ ከምትቋሱ የረጋግፅ ኢሎም፡፡

ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ኣሕዋትና ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ዝሃነፀቶ ንምምዕባልን ነቲ ዞባ ብርሃን ንምዃን እምበር ብፍፁም ጎረባብቲ ኣሕዋት ንምጉዳእ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡፡

ብቕኑዕ ልቦና ስግኣት ዝሓድሮም ኣሕዋትና ኢትዮጵያ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ሓቂ ብፍፁም ከምዘይተትርፍ ክግንዘቡ ይግባእ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment