ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ጥዕና ኣፍሪካ ዘለዋ ግደ መሪሕነት ዝነኣድ ኢዩ ኢሉ ጥምረት ዓለም ለኸ ክታበት(ጋቪ)።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ጥምረተት ክታበት(ጋቪ) ሳኒያ ኒሽታር ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ጎኒ ንጎኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን አንትኸውን፥ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መሰረተ ልምዓት ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ኢትዮጵያ ጠመተ ብምግባር ዘቲዮም።
እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ስትራቴጂ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ብቐንዱ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ዝጠመተ ዘተ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ጋቪ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ምድጋፍ ዝገብሮም ዘሎ ተግባራት አመስጊኖም።
ሳኒያ ኒሽታር ብግደአን ኢትዮጵያ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ጥዕና ኣፍሪካ ዘለዋ ግደ መሪሕነት ዝነኣድ ኢዩ ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!