ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኢንዳስትሪ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምችው ስነ ምህዳር ብምፍጣር ተመራፂት ኢንቨስትመንት ኮይና ኢሎም ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለቤል።
እቶም ሚኒስትር ብሚኒስትር ኢንዳስትሪን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ቻይና ሊ ሊቸንግ ዝምራሕ ልኡኽ ንግዲ ዘትዮም፡፡
ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ንምጥንኻር ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ።
ቻይና ንዓመታት መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ኮይና ከምዝፀንሐትን ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ንኢንቨስትመንት ምችው ሃዋህው ከምዝፈጠረት ገሊፆም።
ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ፣ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓት መገድን ባቡርን ብምስታፍ ኣብ ልምዓት ማኑፋክቸሪንግ ኢትዮጵያ ሃናፂ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ሓቢሮም፡፡
ቻይና ንልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ማእኸል ኢንዳስትሪ እቲ ዞባ እንገብሮ ስራሕ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም