ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምችው ሃዋህው ብምፍጣር ተመራፂ መባፅሕ ኢንቨስትመንት ኮይና ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኢንዳስትሪ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምችው ስነ ምህዳር ብምፍጣር ተመራፂት ኢንቨስትመንት ኮይና ኢሎም ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለቤል።

እቶም ሚኒስትር ብሚኒስትር ኢንዳስትሪን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ቻይና ሊ ሊቸንግ ዝምራሕ ልኡኽ ንግዲ ዘትዮም፡፡

ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ንምጥንኻር ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ።

ቻይና ንዓመታት መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ኮይና ከምዝፀንሐትን ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ንኢንቨስትመንት ምችው ሃዋህው ከምዝፈጠረት ገሊፆም።

ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ፣ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓት መገድን ባቡርን ብምስታፍ ኣብ ልምዓት ማኑፋክቸሪንግ ኢትዮጵያ ሃናፂ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ሓቢሮም፡፡

ቻይና ንልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ማእኸል ኢንዳስትሪ እቲ ዞባ እንገብሮ ስራሕ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም

Comments (0)
Add Comment