ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንነፃነት ኮሪያ ዝኸፈለቶ መስዋእትነት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ኢዩ ክብሉ ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁንግ ካንግ ገሊፆም።
መበል 74 ክብረ በዓል ዘመትቲ ኮሪያ ኣብ ፓርክ ዝኽሪ ዘመትትቲ ኮሪያ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።
ኣምባሳደር ጁንግ ካንግ፥ ቅድሚ 74 ዓመታት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሰላምን ነፃነትን ኮሪያ መስዋእትነት ከፊሎም ኢዮም ኢሎም።
እቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ሪፐብሊክ ኮሪያ ናብ ዝነበረቶ ንክትምለስ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘላቶ ምዕባለ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ኮሪያ ንዝነበራ ተሳትፎ መንግስቲን ህዝብን ሪፐብሊክ ኮሪያ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ከምዘለዎም ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንነፃነት ኮሪያ ዝኸፈለቶ መስዋእትነት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ኢዩ እውን ኢሎም።
አዲሱ ትውልድ ቀደምት አባቶች በመስዋዕትነት ያስረከቡትን ሀገር ሰላሟን ከማስጠበቅ ባሻገር ልማቷን ማፋጠን ይጠበቅበታል ማለታቸውንም ኢዜአ ዘግቧል፡፡