ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ልምዓት ናይ ባዕላ እጃም ንምውፃእ ቆራፅ ኢያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብፅንሰ ሓሳብ መደመር እናተመርሐት ንዓለም ለኸ ልምዓት ናይ ባዕላ እጃም ንምውፃእ ቆራፅ ኢያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ÷ ወናኒት ጥንታዊ ስልጣነን ታሪኽን ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ኮይና ብዙሓት ዓወታት እናመዝገበት ትርከብ ኢሎም፡፡

ፍልስፍና መደመር ካብ መንፈስ ዘይምብዳህ ኢትዮጵያዊያን ዝቕዳሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ሓደ ብምዃን ዝተፈላለየ ዓሚቕ ዓቕሚ ብምጥማር ዝሐሸ ነገር ንምስራሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ፍልስፍና ብምምራሕ ኢትዮጵያ መካተቲ ዕቤት እናመዘገበት ትርከብ፤ ከተማታት እውን ማእኸል ፈጠራ ይኾኑ ኣለዉ ኢሎም፡፡

ኢንዱስትሪያል ፓርክታት ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ይርከቡ ዝበሉ እንትኾኑ÷ መናእሰይ ዘደንቕ ፈጠራታት ጋህዲ ኣብ ምግባር ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሕደስ ሓይሊን ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ብዙሓት ስራሕቲ እናወገነት ምትእስሳር ዜጋታት እናቀላጠፈት ትርከብ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ካልኦት ዓውዲታትን እውን ዘዕግብ ስራሕቲ እናወገነት ከምትርከብ ኣብሪሆም፡፡

ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ምፅር ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተሰርሑ ብምዝኽኻር÷ ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ገሊፆም።

ኣብ መዳይ ልምዓት ሓይሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታትን እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment