ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዓብዪ ግድብ ሃድሰ ኢትዮጵያ ሓንቲ ቅርሺ ልቓሕን ርዳእታን እንተይወሰድና ዘዕወትናዮ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከለት ህዝቢ ብምርካብ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽን መብርሂን፥ ግድብ ህዳሰ ብጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ቆራፅ ቅዋም ተሃኒፁ ዝተዛዘመ ግድብ ኢዩ ኢሎም፡፡
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብባስጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ጨኪኖም ብቖራፅነት ብሓባር ኮይኖም ስለዝሰርሑ ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ዓብዪ ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምህናፃ ብምሕባር፥ ነገር ግን እዚ እንተይኣኸለ ካብ ኣፍሪካ ሳልሳይ ዝኾነ መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ እናሃነፀት ትርከብ ኢሎም፡፡
ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱን ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒን ሓዊሱ ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ