ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ እናገበረቶ ተርከብ ተሳትፎ ዘላቑን ኩለመዳይን ዕቤት ንኽቕፅል ስትራቴጂያዊ መሓዛ ኮይና ከምትቕፅል ቆራፅነታ ዘርአየትሉ ኢዩ፡፡
ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ጥንኩር ተሳትፎ እናገበረ ይርከብ፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብ መፃኢ ዓለም ስርዓት ጥዕናን እቲ ዓውዲ ብፋይናንስ ኣብ ምሕጋዝ ትኹረት ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ተሞክሮ ኢትዮጵያ ኣቕሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ገፀራማ ከባታት እታ ሃገር ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሕነት ንምድንፋዕ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን መሰል ዲጂታል ቴክኖሎጂታትን ብምጥቃም ዝወገነቶም ተግባራት ኣብሪሆም፡፡
እቲ ስርዓት ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ንልምዓት ክእለት ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ናይ ነዊሕ እዋን ምሕነት ምጥንኻርን እቲ ዓውዲ ብዘላቕነት ብገንዘብ ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ኣብ ዘድሀበ መድረኽ ሓሳቦም ዘካፈሉ እቶም ሚኒስትር፥ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ዝፃወር ኢኮኖሚን ንምህናፅ ወሰንቲ ዝበሉዎም ኣርባዕተ ተግባራት ኣመልኪቶም፡፡
እዚኣቶም ድማ ዘላቒ ስርዓት ፋይናንስ፣ ዞባዊ ቀረብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ህዝቢ ክቕፅል ንምግባር ዘኽእሉ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ስራሕቲ ከምኡ እውን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ብዝሃ ኢኮኖሚን ምጥንኻር ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
እዞም ስራሕቲ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ እዋን ዲጂታል ዓለም ዝተሰናደአትን ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪት ክትከውን ኣኽኢሉዋ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ጎድና ጎድኒ እቲ ፎረም ምስ ቢል ጌትስ ከምኡ እውን ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ትካላትን ክልተኣዊ ልዝባት ኣካይዶም፡፡
ኣብቶም ልዝባት ኢትዮጵያ ኢኖቬሽን ንምዕባይ፣ ምሕዝነት ንምጥንኻርን ንዘላቒ ልምዓትን ቆራፅ ምዃና ከምዘረጋገፀት እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!