ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 26 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንመቐለ 70 እንደርታ 3 ን 0 ስዒራ።
ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ሁዘይፋ ሻፊን ናትናኤል (2)ን ኣመዝጊቦምወን።
ቅድም ኢሉ ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ዝተገበረ ፀወታ ኢትዮጵያ ቡናን ሸገር ከተማን 1 ን 1 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተዛዚሙ።
ኣብቲ ፀወታ ናይ ኢትዮጵያ ቡና ሸቶ ኣቡበከር ኣዳሙ እንተመዝግብ÷ ናይ ሸገር ከተማ ድማ ኣሚር ኣብዶ ኣመዝጊቡዋ።
ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ቀትሪ ሰዓት 10 ዝተጀመረ ፀወታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ብመሪሕነት ቅዱስ ጊዮርጊስ 1 ን 0 ይቕፅል ኣሎ።