ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንትን ውልቀ ንምጥንኻር ቆራፅ ኢያ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።
እቶም ሚኒስትር ገንዘብ፥ ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ምስ ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ (አይኤፍሲ) ማክታር ዲዮፕን ምክትል ፕሬዚዳንት ኤጀንሲ ውሕስና በዓል ብዙሕ ወገን ኢንቨስትመንት (ኤምአይጂኤ) ሂሮሺ ማታኖን ተዛትዮም።
ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ዓውዲታት ስትራቴጂያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምኡ እውን ዕቤት ሴክተር ውልቀ ንምጉልባት ኢዩ።
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ዝተግበረቶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ብዝበለፀ ዝተረጋገአን ሰሓቢን ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ፈጢሩ።
ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ንኽቕፅል ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ብምሕባር፤ ኢንቨስትመት ውልቀ ንምጥንኻር ቆራፅ ቅዋም ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም።
ማክታር ዲዮፕ ብግደኦም፤ ቅልጡፍ ለውጢ ኢትዮጵያ ብምንኣድ ትካሎም ንኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ውልቀ ንኽዓቢ ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፆም።