ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤ ምሲ)ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ስምምዕነት ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምዕዋት ኢትዮጵያ እጃማት እናተዋፀአት ትርከብ ኢሎም፡፡
እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ሕብረት ኣውሮፓ ‘ኢኮትሬድ’ ዝተብሃለ ፕሮጀክት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጀመረሉ እዋን ኢዩ።
ንኣርባዕተ ዓመት ዝፀንሕን ሽዱሽተ ሚሊየን ዩሮ ፈንድ ዘለዎን እቲ ፕሮጀክት ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተጀመረ እንትኸውን ንኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ኢዩ።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ከምዝሓበሩዎ÷ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ፣ መካተቲን ቀፃነት ዘለዎን ኢኮኖሚያዊ መምርሒ ብምትግባር ዕዉት ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ።
ኢኮኖሚያዊ ጥምረት እቲ ዞባ ጋህዲ ንኽኸውን ብሄራዊ ኮሚቴ ትግበራ ብምጥያሽ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምግላፅ÷ ሕብረት ኣውሮፓ ዕላዊ ዝገበሮ ‘ኢኮ ትሬድ’ ፕሮጀክት እውን ነቲ ከይዲ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።
ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ኤሚስበርገር÷ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምጥንኻር ዓቕሚ ዘፈር ውልቀ፣ መምርሒ ንግዲ፣ ምትሕሓዝ ኣህጉራዊ ስምምዕነት ከምኡ እውን ዞባዊ ጥምረት ንግዲ ኣብ ምዕባይ ከምዘድህብ ተዛሪበን።
ብሚኪያስ ኣለሙ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!