ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ቀሪባ ኣላ- ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ቀሪባ ኣላ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ትካል ንምኻን እትገብሮ ዘላ ድርድር ዝበፅሓሉ ብርኪ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ዝተኻየደ ሻድሻይ ዙር ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ትካል ንግዲ ዓለም ዕዉት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ብሄራዊ ተደራዳሪ ኮሚቴ ኢትዮጵያ ልዕሊ 650 ገፅ ዝሓዘ ሰነድ ምቕራቡ ብምግላፅ፥ እቲ ጉጅለ ነቲ ሰነድ ንምግምጋም ከምዘፅደቖ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ልዕሊ 30 ሃገራት ደገፍ ክምዝገበራ ብምዝራብ፥ ኣብ ሻድሻይ ዙር ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝረብሕ ልምዲ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንኣባልነት እቲ ትካል ምቕራባ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ዝተረፉ ስራሕቲ ንምኽንባት ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብየሻምበል ምህረት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment