ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብዚ ባጀት ዓመት ኣብ ዓውዲታት ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግን ኮንፍረንስ ቱሪዝምን ካልኦተን ብዙሓት ውፅኢታት ተመዘገብ ከምዘላ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ንክትብርኽ ብዙሓት ዓውዲታት ጠመተ በምሃብ ርብረብ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
መንግስቲ ሰላም ንምፅናዕ ዓሊሙ ፃውዒታት ሰላም ብምግባር ንሰላም ድልዊ ዝኾኑ ዕጡቓት ልዕሊ ፍርቂ መገዲ ከይዱ ይቕበሎም ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉ ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰቦም ተፀንቢሮም ሰለማዊ ህይወት ንክመርሑ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
ብኻሊእ መዳይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ንዝቐፀለ ፃውዒት ሰላም ምላሽ ዘይህቡ ዕጡቓት ብውፅኢታዊ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሰላም ናይ ምፅናዕ ስራሕ ብልዑል ውፅኢት የካየድ ኣሎ ኢሎም።
ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕ ቀንዲ መገዲ ዘላቒ ልምዓት፣ ፍሪያትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ቆላሕታ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎን ውፅኢት እውን ይምዝገብ ከምዘሎም ገሊፆም።
ብዘመን በየነ