ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ውፅኢታዊ ተሞክሮኣ ኣብቲ ዞባ ንምስፋሕ ቆራፅ ኢያ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ አብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስፋሕ ተሞክሮኣ ንምክፋል ቆራፅ ኢያ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ።

መበል 19 ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ዞባዊ መድረኽ መዳርግቲ ኣካላት ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለስ መኮንን (ዶ/ር)ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወት ምጥዕዓም ፖሊሲታት፣ መፅናዕቲን ምርምራትን ከምኡ እውን ተሳትፎ ሓረስቶት ውፅት ከምፅእ ከምዝኽእል መርአዪ ኢዩ።

ከባቢ መሰረት ዝገበረን ዕዳጋ ተኮር ፍርያት ምስፋሕ፣ ድህረ ፍርያት ዘብፀሖ ክሳራ ምንካይ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ምስፍሕፋሕን ፈጠራ ስራሕ ገፀር ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ቅድሚያ እትህቦም ጉዳያት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ሓደሽቲ ፈጠራታት ካብ ማእኸላት ምርምር ናብ ባይታ ንምስግጋር ብምርምር፣ ሕርሻን ኤክስቴንሽንን ኣብ ስልጠና ሓረስቶትን ልዑል መዋእለ ንዋይ እናፍሰሰ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት ብትኹረት እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምሕባር፥ እቲ ዓውዲ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ሓረስቶት ተረባሒ ዝገብር ከምዝኾነ ኣብቲ ዞባ ዝተዋደደ ኢንቨስትመንት ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናመዝገበቶ ትርከብ ዓወት ብፍላይ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዝመፅአ ውፅኢት ተሞክሮኣ ነሃገራት እቲ ዞባ ንምክፋል ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment