ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ማይ ትርጉም ዘለዎም ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ማይ ብዝምልከት ትርጉም ዘለዎም ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ 2ይ ቅነ ማይን ኢነርጂን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ማይ ትሰርሖ ስራሕን ተግባራት ልምዓት ሓይሊን ንካልኦት ትምህርቲ ክህብ ዝኽእል ከምዝኾነ እውን ሃብታሙ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ቅነ ማይን ኢነርጂን ዓውደ ምርኢትን ፓናል ዘተታን ከምዝግበሩ ተገሊፁ።

ኣብቲ ፓናል ዘተ ኣጠቓቕማን ምሕዳራን ሃፍቲ ማይ ዝምልከቱ ከምኡ እውን ኣብ ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ዝጠመቱ ጉዳያት ክድህሰሱ ኢዮም።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment