ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 714 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ብምትካል መርኣያ ኮይና ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ብብርኪ ሃገር ዝተዛዘመ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣመልኪቶም ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ መልእኽቶም ድማ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተፈጥሮ ሚዛን ኣብ ምሕላው ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኦም፡፡
ሓምለዋይ ኣሰር ተፈጥሮ ሓልዩ ንወለዶ ንምትሕልላፍን ዝዓለመ ተግባር ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡