ኢትዮጵያ ኣብ መበል 12 ፎረም ፓሪስ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብ ፓሪስ ፈረንሳይ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ፎረም ፓሪስ ይሳተፉ ኣለው፡፡

እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ ፎረም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉጅለ 20 ሃገራት መሰረት ማዕቀፍ ዘለዋ ምምሕያሽ ዕዳን ኣተሓሕዛ ተሞክሮን ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ኣለቃሕቲ ሃገራት ከይዲ ድርድር ምምሕያሽ ዕዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ሃናፂን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣረዲኦም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምሕዝነት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ኩለመዳያዊ ደገፍን ተሳትፎን ናእደኦምን ገሊፆም።

ተለቃሕቲ ሃገራት ዕዳ እፎይታ ኣብቲ እዋን ንምርካብ ንክኽእሉ ርኡይ ገደብ ግዘ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መንጎ ኣለቃሕትን ተለቃሕቲን ዘሎ ምትእምማንን ግልፅነትን ንምዕባይ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ ኣብቲ ከይዲ ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምፍታሕ ኩሎም ኣካላት ቆራፅ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ብጉጅለ 20 ሃገራት ሓበራዊ ማዕቀፍ ዕዳ ምምሕያሽን ተረባሕቲ እሮይታን ከምዝኾነት ምሕባሮም እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment